يٰٓاَيُّهَا الَّذِيْنَ اٰمَنُوا اسْتَعِيْنُوْا بِالصَّبْرِ وَالصَّلٰوةِ ۗ اِنَّ اللّٰهَ مَعَ الصّٰبِرِيْنَ
yā ayyuhal-lażīna āmanusta‘īnū biṣ-ṣabri waṣ-ṣalāh(ti), innallāha ma‘aṣ-ṣābirīn(a).
ኣቱም ኣመንቲ! ብትዕግስትን ብጸሎትን ሓገዝ (ካብ ኣላህ) ለምን። ብርግጽ ኣላህ ምስቶም ትዕግስቲ ዘለዎም እዩ ።
وَلَنَبْلُوَنَّكُمْ بِشَيْءٍ مِّنَ الْخَوْفِ وَالْجُوْعِ وَنَقْصٍ مِّنَ الْاَمْوَالِ وَالْاَنْفُسِ وَالثَّمَرٰتِۗ وَبَشِّرِ الصّٰبِرِيْنَ
wa lanabluwannakum bisyai'im minal-khaufi wal-jū‘i wa naqaṣim minal-amwāli wal-anfusi waṡ-ṡamarāt(i), wa basysyiriṣ-ṣābirīn(a).
ብርግጽ ድማ ብገለ ፍርሒ፡ ጥሜት፡ ስእነት ሃብቲ፡ ነፍሳትን ፍረታትን ክንፍትነኩም ኢና። ነቶም ትዕግስቲ ዝገብሩ ድማ ብስራት ኣመሓላልፍ
اَلَّذِيْنَ اِذَآ اَصَابَتْهُمْ مُّصِيْبَةٌ ۗ قَالُوْٓا اِنَّا لِلّٰهِ وَاِنَّآ اِلَيْهِ رٰجِعُوْنَۗ
allażīna iżā aṣābathum muṣībah(tun), qālū innā lillāhi wa innā ilaihi rāji‘ūn(a).
(ማለት) እቶም መዓት ምስ ኣጋጠመ "ኢና ሊላሂ ዋ ኢና ኢላሂ ራጂዑን" (ብሓቂ ናይ ኣላህ ኢና ንዕኡ ድማ ክንምለስ ኢና) ዝብሉ።
اُولٰۤىِٕكَ عَلَيْهِمْ صَلَوٰتٌ مِّنْ رَّبِّهِمْ وَرَحْمَةٌ ۗوَاُولٰۤىِٕكَ هُمُ الْمُهْتَدُوْنَ
ulā'ika ‘alaihim ṣalawātum mir rabbihim wa raḥmah(tun), wa ulā'ika humul-muhtadūn(a).
ካብ ጎይታኦም ይቕሬታን ምሕረትን ዝረኽብዎም እዮም፣ መምርሒ ዝቕበሉ ድማ ንሳቶም እዮም።
اَمْ حَسِبْتُمْ اَنْ تَدْخُلُوا الْجَنَّةَ وَلَمَّا يَعْلَمِ اللّٰهُ الَّذِيْنَ جَاهَدُوْا مِنْكُمْ وَيَعْلَمَ الصّٰبِرِيْنَ
am ḥasibtum an tadkhulul-jannata wa lammā ya‘lamillāhul-lażīna jāhadū minkum wa ya‘lamaṣ-ṣābirīn(a).
ረቢ ገና ነቶም ኣበርቲዕኩም እትጽዕሩን ነቲ ትዕግስቲ ዘረጋገጹን ከየረጋገጸኩም ከለኹም ንጀና ክትኣትዉ ዶ ትብሉ?
وَاصْبِرْ فَاِنَّ اللّٰهَ لَا يُضِيْعُ اَجْرَ الْمُحْسِنِيْنَ
waṣbir fa innallāha lā yaḍī‘u ajral-muḥsinīn(a).
ከምኡ ውን ተዓገሱ ብርግጽ ኣላህ ናይቶም ሰናይ ዝገብሩ ዓስቢ ኣየጥፍኦምን እዩ።
قُلْ يٰعِبَادِ الَّذِيْنَ اٰمَنُوا اتَّقُوْا رَبَّكُمْ ۗلِلَّذِيْنَ اَحْسَنُوْا فِيْ هٰذِهِ الدُّنْيَا حَسَنَةٌ ۗوَاَرْضُ اللّٰهِ وَاسِعَةٌ ۗاِنَّمَا يُوَفَّى الصّٰبِرُوْنَ اَجْرَهُمْ بِغَيْرِ حِسَابٍ
qul yā ‘ibādil-lażīna āmanuttaqū rabbakum, lil-lażīna aḥsanū fī hāżihid-dun-yā ḥasanah(tun), wa arḍullāhi wāsi‘ah(tun), innamā yuwaffaṣ-ṣābirūna ajrahum bigairi ḥisāb(in).
በል (መሓመድ)፡ "ኣቱም እሙናት ባሮተይ! ንጐይታኹም ፍርሁ"። ምኽንያቱ ኣብዛ ዓለም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ሰናይ ክረኽቡ እዮም። ምድሪ ኣምላኽ ድማ ገፊሕ እያ። እቶም ትዕግስቲ ዝገብሩ ጥራይ እዮም ዓስቦም ብዘይ ደረት ዝዓቢ።